ኤርትራ ዞባዊ ሓይሊ ንምዝባዕ "ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ" ተሳውር ከምዘላ ኢትዮጵያ ትኸስስ - Serwe News
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወጹ ስትራቴጂካዊ ናይ ኢትዮጵያ ስለያ ጸብጻባት፡ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ "ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ" ብንጥፈት ተሳውር ከምዘላ ብምኽሳስ ከቢድ ክሲ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብመሰረት እቶም ብ30 ጥሪ 2026 ዝወጹ ሰነዳት ዝተባህሉ፡ መንግስቲ
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወጹ ስትራቴጂካዊ ናይ ኢትዮጵያ ስለያ ጸብጻባት፡ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ "ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ" ብንጥፈት ተሳውር ከምዘላ ብምኽሳስ ከቢድ ክሲ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብመሰረት እቶም ብ30 ጥሪ 2026 ዝወጹ ሰነዳት ዝተባህሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድኻም፡ ዝተሓላለኸ ቅጥዒ ዘለዎም ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታትን ምስ ናይ ውክልና ዕጡቓት ጉጅለታት ዝግበር ምውህሃድን ይጥቀም ኣሎ። እንተ ኾነ ግን ኢትዮጵያ ንባዕላ ንሓድነት ኤርትራ ዝመቓቕልን ገዚፍ ምወላ ብምግባር ኣብ ብሄርን ሃይማኖትን ኣውራጃን ካልእን ሽርሕታት ብምጥቃም ብመንገዲ ዕሱባታ ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ይፍለጥ። እዚ ምንቅስቓሳት እዚ ምስቲ ዝመጽእ ዘሎ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ (AU) ንክሰማማዕ ዝተገብረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ንመሪሕነት እቲ ክፍለ ዓለም ወሳኒ ዝኾነ ግዜ፡ ዲፕሎማሲያዊ መርገጽን ትካላዊ ዓቕምን ኢትዮጵያ ንምድኻም ዝዓለመ እዩ ዝብል እዩ እቲ ክሲ። ተንተንቲ ከምዝሕብርዎ፡ ዕላማ ኣስመራ፡ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ውሽጣዊ ቅልውላዋት ተጸሚዳ ከም እትተርፍ ብምግባር፡ ኣብ ሰፊሕ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋ ከይተሕድር ንምክልኻል እዩ።
ይኹን እምበር እዚ ክሲ ብገለልታዊ ዓይኒ ክርአ እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብተደጋጋሚ ኣፍ ደገ ባሕሪ(ወደብ ዓሰብ) ናይ ግድን ኣካል ኢትዮጵያ ከም ዝኸውን ዝገልጽ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝጥሕስ፡ ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ዶብ ናይ ሃገራት ዝጥሕስ ሓደገኛ መርገጽን መግለጺታትን እና ኣካየደ ክነሱ ሕጂ ብካልእ ንኤርትራ ክኸስስ ንተግባራቱ ንምሽፋንን ንማሕበረ ሰብ ዓለም ንምድንጋርን ዝግበር ዕላማ ሒዙ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ናይ ቀረባ ተንተንቲ ይገልጹ።